Abri motors

Abri motors built for trust: drive by excellence!!

18/07/2026

Big shout out to my newest top fans! Hkiros Ghiwot Ab, Fevi Love, Abraham Beyene, Samuel Desta, Mestet Charity, Meaza Wubetey Girmay

ተወሰኽቲ ምስልታት ካብ 4ይ ዙር ፅምብል ርኽክብ መኪና ኣብሪ ሞተርስ
03/07/2026

ተወሰኽቲ ምስልታት ካብ 4ይ ዙር ፅምብል ርኽክብ መኪና ኣብሪ ሞተርስ

ምስልታት ካብ 4ይ ዙር ፅምብል ርኽክብ መኪና ኣብሪ ሞተርስ
30/06/2026

ምስልታት ካብ 4ይ ዙር ፅምብል ርኽክብ መኪና ኣብሪ ሞተርስ

26/06/2026

ፅምብል 4ይ ዙር ርኽክብ መኪና ኣብሪ ሞተርስ

ብስራት4ይ ዙር ፅምብል ርክክብ መኪና ኣብሪ ሞተርስ ሓሙስ 18 ሰነ 2018 ዓ.ም ካብ ሰዓት 10:30 ጀሚሩ ክካየድ እዩ።ኣብሪ ሞተርስ ዓማዊሉ ብእምነት ብምግልጋል ኣብ 4ይ ዙር ርክክብ ንም...
24/06/2026

ብስራት

4ይ ዙር ፅምብል ርክክብ መኪና ኣብሪ ሞተርስ ሓሙስ 18 ሰነ 2018 ዓ.ም ካብ ሰዓት 10:30 ጀሚሩ ክካየድ እዩ።

ኣብሪ ሞተርስ ዓማዊሉ ብእምነት ብምግልጋል ኣብ 4ይ ዙር ርክክብ ንምግባር ዝገጠሙዎ ዓበይቲ መሰናክላት ሓሊፉ ድሕሪ ብዙሕ ውጻእ ውረድ እነሆ ኣብ ቐረባ ናብ ከተማ መቐለ ዘእተናዮም መካይን ንሰብ ዋና ዓማዊልና ክነርክብ ምድላዋትና ወዲእና ኣለና።

በዚ ኣጋጣሚ ትካልና ብዝተዓፀፈ መልክዑ ኣድማሱ ብምስፋሕ ሕቶ ዓማዊሉ ንምምላስ ኣብ ትግሃት ዘሎ ምኳኑ እናገልፅና ንኩልኩም ዓምዊልናን ስድራ ዓማዊልናን ከምኡውን ደገፍትናን ፈተውትናን ኣብቲ ፅምብል ርክክብ ክትርከቡ ብኽብሪ ንዕድም።

ኣብሪ ሞተርስ መቐለ

ዕላዊ መግለፂ ካብ ኣብሪ ሞተርስ (Abri Motors)ኣብሪ ሞተርስ ካብ መጀመርታ ምስረትኡ ጀሚሩ ምስ ዓማዊሉ ዘለዎ ርክብ ኣብ እምነትን ግልፅነትን ዝተመስረተ እዩ። ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ዙር...
14/05/2026

ዕላዊ መግለፂ ካብ ኣብሪ ሞተርስ (Abri Motors)

ኣብሪ ሞተርስ ካብ መጀመርታ ምስረትኡ ጀሚሩ ምስ ዓማዊሉ ዘለዎ ርክብ ኣብ እምነትን ግልፅነትን ዝተመስረተ እዩ። ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ዙርያታት ዘመናዊ ኤሌክትሪክ መካይን ብውቁብን ብቕልጡፍን ብምርካብ ዝወነንናዮ ፅቡቕ ስም ውፅኢት ናይቲ ንሕና ዘርኣናዮ ትግሃትን ንዓኻትኩም ንዓማዊልና ዘለና ፍሉይ ክብረትን እዩ።

ንራብዓይ ዙር ርክክብ ዝኸውን ድልውነትና ወዲእና ኣብ ዘለናሉ እዋን ብሰንኪ ብዙሐት ከበድቲ ምኽንያታትን ስዒቡ ዕንቅፋት ንራብዓይ ዙር መካይን ንምርካብ ካብ ዓቕምና ንላዕሊ ብዝኾኑ ዓበይቲ ምኽንያታት ምድንጓያት ከጋጥሙ ክኢሎም እዮም። በዚ ድማ ኣብ ልዕሊ ዓማዊልና ቅሬታ ፈጢሩ ከምዝርከብ ብዝግባእ ንርዳእ ኢና ነዚ እዉን ንዓማዊልና ልባዊ ይቅርታ ንሐትት።

ይኹን እምበር፣ ኣብሪ ሞተርስ ንዓማዊሉ ዝኣተዎ ቃል ንምፍፃም ዝተፈላለዩ ኣማራፅታት ብምጥቃም ተኸታታሊ ምይይጣት እናገበረ ብምፅናሕን ዝለዓለ ተወፋይነት እናኸፈለን እናፀዓረን ብምፅናሕ እተን መካይን ኣብ ዝቕፅሉ ሒደት መዓልታት ብዕሊ ርክክብ ክንጅምር ምዃንና ክነፍልጥ ንፈትው።

ኣብሪ ሞተርስ ኣብ ክልልናን ሃገርናን ኣብ ዝተፈላለዩ ዓበይቲ ልምዓታዊ ስራሕቲ ተሳታፊ ዝኾነ ኣብሪ ቢዝነስ ግሩፕ (Abri Business Group) እዩ። ትካልና ንትርፊ ጥራይ ዝቖመ ዘይኮነስ፣ ፀገም ማሕበረሰብ ንምቕራፍ ኣብ ዝግበሩ ፃውዒታት ኩሉ ግዜ ኣብ ቅድሚት ዝስራዕ፣ ማሕበረሰባዊ ሓላፍነቱ ብኣግባቡ ዝዋፃእ ዘሎ ትካል ህዝቢ እዩ።

ስለዚ፣ ክቡራት ዓማዊልና ነዚ ተረዲእኩም፣ ትካልና ነዚ ዓለም-ለኻዊ ፀገም ንምስጋር ዝኸፈሎ ዘሎ ዓብይ ዋጋን ውፃእ-ውረድን ኣብ ግምት ብምእታው ንሒደት መዓልታት ብትዕግስቲ ክትፅበዩና ንላቦ።

ብተወሳኺ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያታት ብዛዕባ ትካልና ዝዝርግሑ ዘለው "ምጭብርባር" ብዝብል ኣገላልፃ ወፍሪታት፣ ነቲ ኩባንያና ዝኸፍሎ ዘሎ መስዋእትነት ዘይምጥን፣ ካብ ሓቂ ዝረሓቐን ዘይግቡእን ምዃኑ ክንሕብር ንፈቱ።

ንዓማዊልና ዘለና ክብርን ተወፋይነትን ወትሩ ፅኑዕ እዩ።

ኣብሪ ሞተርስ
06 ጉንበት 2018 ዓ.ም
መቐለ

ርሑስ በዓል ትንሳኤ!ንመላእ ተኸተልቲ እምነት ክርስትና ርሑስ በዓል ትንሳኤ ክኾነልኩም ንምነ። ሰናይ በዓል ፋሲካ!ኣብሪ ሞተርስ!
11/04/2026

ርሑስ በዓል ትንሳኤ!

ንመላእ ተኸተልቲ እምነት ክርስትና ርሑስ በዓል ትንሳኤ ክኾነልኩም ንምነ።

ሰናይ በዓል ፋሲካ!
ኣብሪ ሞተርስ!

Address

Mekelle

Website

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when Abri motors posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Shortcuts

Share